ካብ ገዛ ስድራ-ቤትካ ግዒዝካ ንዘለኻ እዩ ኣብዚ ገጽ ዘሎ ሓበሬታ ዝምልከተካ፡ንኣብነት ናብ ቀዋሚ መእለዪ ቤት(fosterhjem) ወይ መእለዪ ትካል(institusjon) ዝገዓዝካ።.

እዚ ኩሉ ግዜ እዩ ከምኡ
ካብ ገዛኻ ምስ ገዓዝካ እቶም ኣብቲ ቀዋሚ መእለዪ ቤት ዘለዉ ዓበይቲ ወይ ኣብቲ መእለዪ ትካል ዝሰርሑ ዓበይቲ እዮም ክከናኸኑኻን ክኣልዩኻን።
ዋላ ካብ ገዛኻ ገዓዝ መሰላትካ ከም ኩሎም ካልኦት ቆልዑ እዩ። ንኣብነት ቤት-ትምህርቲ ክትመሃር፡ እንተሓሚምካ ክትሕገዝን ዝሰምዓካ ሰብ ክህልወካን መሰልካ እዩ።
ዝኾነ ነገር ጽቡቕ እንተደኣ ዘይተሰሚዑካ ምስ ባርነቫርነ ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ትነብረሉ ቦታ ጽቡቕ ከምዘለኻ ናይ ምሕላው ሓላፍነት ናቶም እዩ።

ተሓዚት ጉዳይ ኣላትካ።
ካብ ገዝኦም ዝገዓዙ ቆልዑን መንእሰያትን ብምሉኣቶም ኣብ ባርነቫርነ ትሰርሕ ብቐረባ ትራኸቦም ሰብ(ተሓዚት ጉዳይ)ክትህልዎም ኣሎዋ። እዛ ሰብ እዚኣ ከኣ መጺኣ ክትበጽሓካን ኩሉ ክትፈልጦ ዘለካ ክትነግረካን ኣሎዋ።
ምስ ተሓዚት ጉዳይካ ክትዛረብ መሰልካ እዩ። ዝያዳ ጽቡቕ ይስመዓኒ እዩ ትብል እንተደኣ ኮይንካ ውን ክድግፈካ ዝኽእል ሰብ ውን ክትማላእ ትኽእል ኢኻ።

ካብ ገዛኻ ንምንታይ ከምዝገዓዝካ እቲ ምኽንያት ዘይተረደኣካ እንተደኣ ኮይኑ እታ ትራኸበካ ሰብ ክትገልጸልካ እያ
እታ ተሓዚት ጉዳይካ ብዛዕብኡ ዋላ'ኳ ኣቐዲማ ትግለጸልካ፡ ከም ብሓድሽ ክትሓታ ትኽእል ኢኻ።ባርነቫርነ ንዓኻ ብዝርደኣካ ኣገባብ ጌሮም ክገልጹልካ ኣሎዎም። ኣብ ገዛኻ ክትቅመጠሉ ዘይትኽእለሉ ምኽንያት ኣብ ሓደ ውሳኔ(vedtak) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ወረቐት እዩ ዝግለጽ።
ከም ኣብነት ነታ ብቐረባ ትራኸበካ ሰብ(ተሓዚት ጉዳይካ) ክትሓታ ትኽእሎም ሕቶታት:
- ንምንታይ ኢኹም ብኣይ ተሻቒልኩም ዘለኹም፧
- ንምንታይ እየ ኣብ ገዛይ ክቕመጥ ዘይክእል፧
- ክሳብ መዓስ እየ ኣብዚ ክቕመጥ፧
- እዚ ቦታ እንተደኣ ዘይፈትየዮ ከ እንታይ እየ ክገብር፧
- መዓስ እየ ወለደይን ኣሕዋተይ ክረኽቦም ዝፍቀደለይ፧
- ንወለደይ ትሕግዙዎም ኣሎኹም ዲኹም፧
- ኣነ ዘይፈልጦ ዝኾነ ዝመደብኩሞ ነገር ኣሎ ድዩ፧
- እቲ ኣነ ዝነግረኩም ዝንገሮ ካልእ ሰብ ኣሎ ድዩ፧
- ትምህርቲ መን ክሕግዘኒ ይኽእል፧
- እንተደኣ ዘይጥዒሙኒ ወይ እንተደኣ ሓሚመ እንታይ እየ ክገብር፧

ምስ ስድራ-ቤትን ቐረባ መሓዙትን ምርኻብ
መብዛሕትኦም ካብ ገዝኦም ዝገዓዙ መንእሰያት ምስ ወለዶም፡ኣሕዋቶምን ካልኦት ኣብ ሂወቶም ኣገደስቲ ዝኾኑ ሰባትን ርክብ ክህልዎም ይኽእል እዩ።
ብዝተፈላለዩ መገድታት ክትራኸቡ ትኽእሉ ኢኹም ብኣካል ክትራኸቡ ወይ ብኮምፕዩተር ወይ ተለፎን ክትዘራረቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ምስ ዝተወሰነ ሰብ ምርኻብ ይከብደኒ እዩ እንተደኣ ኢልካ ንባርነቫርነ ምሕባር ጽቡቕ እዩ። ሽዑ ተሓዚት ጉዳይካ ንዓኻ ንኽፈኹሰልካ ክትሕግዘካ ክትፍትን ትኽእል እያ።
ስድራ-ቤትካ ወይ ካልኦት ሰባት ክትረኽቦም ኣይፍቀደልካን እዩ እንተደኣ ተባሂልካ፡ንምንታይ ክትረኽቦም ከምዘይትኽእል ባርነቫርነ ክነግሩኻ ኣሎዎም።
15 ዓመት ዝመልኡ ቆልዑ ንመን ይረኽቡን ንመን ኣይረኽቡን ዝብል ክውሰን ከሎ ኣብቲ ውሳኔ ክሳተፉ ይኽእሉ እዮም።

ቤት-ትምህርቲ
ካብ ገዛኻ ድሕሪ ምግዓዝካ ውን ትምህርቲ ክትቅጽሎ ኢኻ፡ግን ምናልባሽ ቤት-ትምህርቲ ክትቅይር ትግደድ ትኸውን። ናብ ሓድሽ ቦታ ምስ ገዓዝካ ብዝተኻእለ መጠን ብዝቐልጠፈ ቤት-ትምህርቲ ክትቅጽሎ ኣለካ።
ኣብታ ናይ ቀደም ቤት-ትምህርትኻ ተወሳኺ ሓገዛት ዝግበረልካ እንተደኣ ኔሩ ኮይኑ ሰራሕተኛታት ናይታ ቤት-ትምህርቲ ነታ ሓዳስ ቤት-ትምህርቲ እንታይ ዓይነት ሓገዛት ይግበረልካ ከምዝነበረ ክሕብሩዋ ኣሎዎም። ዋላ ኣብታ ናይ ቅድም ቤት-ትምህርቲ ተወሳኺ ሓገዛት ኣይገበረልካ፡ ዘድልየካ እንተደኣ ኮይኑ ኣብታ ሓዳሽ ቤት-ትምህርቲ ክግበረልካ መሰልካ እዩ።
እቲ ዘድልየካ ሓገዝ ይግበረልካ እንተደኣ ዘይሃልዩ ምስ ኣብቲ ቤት-ትምህርቲ ዘለዉ ገሊኦም ዓበይቲ ሰባት ወይ ብቐረባ ትራኸበካ ሰብ(ተሓዚት ጉዳይ)ተዛረበሉ።

ዓበይቲ ብዛዕባኻ ዘለዎም ሓበሬታ
መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዙርያኻ ዘለዉ ዓበይቲ ሰባት ብዛዕባኻ ዝጽሕፉዎ ዘበለ ክትፈልጦ መሰልካ እዩ። ንባርነቫርነ ናተይ ጽሑፋዊ ጸብጻባትን ጸብጻባት ኣኼባታት(ኣስተዋጽኦ) ከንብቦ ደልየ ኣሎኹ ኢልካ ክትሓቶም ትኽእል ኢኻ።
ዝኾነ ነገር እንተደኣ ዘይተረዲኡካ ወይ ዝያዳ ክትፈልጥ እንተደኣ ደሊኻ ሕተት።

ጽቡቕ እንተደኣ ዘይተሰሚዑካ
ኩሉ ሰብ ሕማቕ ክስመዖ ይኽእል እዩ። እቲ ምኽንያት ጽቡቕ ትድቅስ ብዘይምህላውካ፡ትጭነቕ ብምህላውካ ወይ ኣብ ሰውነትካ ቃንዛ ስለዘለካ ክኸውን ይኽእል እዩ። ካልእ ምኽንያት ውን ክህልዎ ይኽእል እዩ።
ሓንሳብ ሓንሳብ ባዕሉ ክገድፈካ ይኽእል እዩ። ኣብ ገሊኡ እዋናት ሓገዝ ከድልየካ ይኽእል እዩ፡ ንኣብነት ነርስ ጥዕና ወይ ክኢላ ስነ-ልቦና ክሕግዙኻ። ዘድልየካ እንተደኣ ኮይኑ ክንክንን ጥዕናዊ ሓገዝን ክትረክብ መሰልካ እዩ። ስለዚ ኣብቲ ትቕመጠሉ ቦታ ምስ ዘለዉ ዓበይቲ ወይ ብቐረባ ትራኸበካ ሰብ(ተሓዚት ጉዳይካ)ክትዘራረብ ኣገዳሲ እዩ።
ካብ ገዛኻ ከምትግዕዝ ምስ ተገበረ .ክግበረልካ ዕድል ክወሃበካ እዩ። ዋላ ሕጂ ኣይጸለኣካ እዩ እዚ ዕድል ዝወሃበካ። እቲ ጥዕናዊ መርመራ ጥዕናዊ ሓገዛት ዘድልየካ እንተደኣ ኮይኑ እዩ ዘርእየካ።.

ዕጋበት እንተደኣ ዘይተሰሚዑካ
ኣብቲ ትቕመጠሉ ቦታ ምስ ዓበይቲ ሰባት ክትዛረብ እንተደኣ ክኢልካ ጽቡቕ እዩ። ከምኡ ምግባር ዘምጽኦ ለውጢ የብሉን ወይ ጽቡቕ ኣይስመዓንን እዩ እንተደኣ ኢልካ ከኣ ናብ ባርነቫርነ ክትድውል ወይ ክትጽሕፍ ትኽእል ኢኻ።
ኩሎም ካብ ገዝኣም ዝገዓዙ ሰባት ናቶም ትራኸቦም ሰብ(ተሓዚት ጉዳይ) ኣላቶም። ናትካ ተሓዚት ጉዳይ መን ምዃና ዘይትፈልጥ እንተደኣ ኮይንካ ናብ ባርነቫርነ ክትድውል ትኽእል ኢኻ ወይ ንትኣምኖ ዓቢ ሰብ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ዝኾነ ግዜ ምስ ተሓዚት ጉዳይካ ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ። ምስታ ተሓዚት ጉዳይካ ምዝርራብ ጽቡቕ ዘይስመዓካ እንተደኣ ኮይኑ ድማ ምስ ካልእ ሰራሕተኛ ናይ ባርነቫርነ ክዘራረብ ዶ ይኽእል ኢልካ ሕተት።

ክትጠርዕ እንተደኣ ደሊኻ ክትጠርዕ ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ቅልል ዝበለ ፎርም ናይ መንግስታዊ ዞባዊ ኣመሓዳሪ ኣሎ። ኣብዚ ከኣ ብዛዕባ ከመይ ጌርካ ትጠርዕ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣሎ። ተሓዚ ጉዳይካ ንክትጠርዕ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። ብቐረባ ዝራኸበካ ሰብ(ተሓዚ ጉዳይካ) ክትጠርዕ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። መንግስታዊ ኣመሓዳሪ ዞባ ሰበ ስልጣን ኮይኑ ባርነቫርነ ንቆልዑን ዓበይትን ንክሕግዙ ስርሖም ብግቡእ ይሰርሑ ከምዘለዉ እዩ ዝከታተል።
ዘህውኽ እንተደኣ ኮይኑ ናይ ህጹጽ እዋን ተለፎን ቆልዑን ንኣሽቱን ኢኻ ትድውል፡116 111። እዚ ነጻ ኮይኑ 24 ሰዓታት ክፉት እዩ።
