ንዓኻ ኣገዳሲ ዝኾነ ሓበሬታ ከምትረክብ ክገብሩ ኣሎዎም።ኣብ ዝኾነ እዋን ዝኾነ ነገር ምስ ዘይርደኣካ ከይተሰከፍካ ኣይተረደኣንን ክትብልን ሕቶታት ክትሓትትን ትኽእል ኢኻ።

ቅድሚ ኣኼባ
ትዛረቦ ቋንቋ ኖርሽክ እንተደኣ ዘይኮይኑ ኣተርጓሚ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። ቅድሚ እቲ ኣኼባ ንባርነቫርነ ሓብሮም!

ናብቲ ኣኼባ ሰብ ክትማላእ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ወላዲ፡ትኣምኖ ዓቢ ሰብ፡ መሓዛኻ ወይ ሓውኻ ወይ ሓፍትኻ ክኸውን ይኽእል።
ከም ኣብነት ገለ ካብቲ ክትሓቶ ትኽእል ሕቶታት
- ንምንታይ እየ ምስ ባርነቫርነ ክራኸብ ዘለኒ፧
- ግድን ድየ ኣብ ኣኼባ ክርከብ ዘለኒ፧
- ምስ መን እየ ክራኸብ፧
- ካልኦት ዝሳተፉ ከ መነ መን እዮም፧
- ብዛዕባ እንታይ ኢና ክንዛረብ፧
- ባርነቫርነ እንታይ እዮም ክሕግዙ ዝኽእሉ፧
ቅድሚ ኣኼባ ምጅማሩ ነታ ብቐረባ ትራኸበካ ሰብ ወይ ተሓዚት ጉዳይካ እዞም ሕቶታት ክትሓታ ወይ ንካልኦት ሕተቱለይ ምባል ክጠቕመካ ይኽእል እዩ።

ኣብ ኣኼባ
ኣብ ዝኾነ ግዜ ሕቶ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። እንተዘይተረዲኡካ መሊስካ ሕተት።

እንታይ ክትነግር ትደልን ኣየኖት ሕቶታት ክትምልስ ትደልን ባዕልኻ ኢኻ ትውስኖ። ትደሊ እንተደኣ ኮይንካ ስቕ ብምባል ክትሰምዕ ጥራሕ ትኽእል ኢኻ።
ከም ኣብነት ገለ ካብቲ ክትሓቶ ትኽእል ሕቶታት
- ንዓይ እንታይ እዩ ከጋጥመኒ፧
- እቲ ኣነ ዝዛረቦ ንመነ መን እዩ ክንገሮም፧
- ንምዃኑ እንታይ ክግበር እዩ ተወሲኑ ዘሎ፧
ኣብቲ ኣኼባ ንተሓዚት ጉዳይካ እዞም ሕቶታት ክትሓታ ጠቓሚ እዩ።

ኣኼባ ክውዳእ ከሎ
ንተሓዚት ጉዳይካ ኣብቲ ኣኼባ እንታይ ከምዝተገብረ ጽሙቕ ኣቢልኪ ኣሕጺርኪ ንገርኒ ክትብላን ብሕጂ እንታይ እዩ ዝግበር ንገርኒ ክትብላን ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ኣኼባ ዝተዘርበሉ ሓበሬታ ንመነ መን እዩ ክንገሮም፡ ከምኡ`ውን ብከመይ እዩ ክንገሮም ብምባል ውን ክትዘራረቡሉ ትኽእሉ ኢኹም።
ሓንሳብ ሓንሳብ እቲ ሓበሬታ ንወለድኻ ከይተነገሮም ክጸንሕ ይኽእል እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር እቲ ሓበሬታ ሽዑ እንተደኣ ተነጊሩዎም ንዓኻ ሓደገኛ ክኸውን ከምዝኽእል ተሓዚት ጉዳይካ እንተደኣ ፈሊጣ እዩ እቲ ሓበሬታ ከይተነገሮም ክጸንሕ ዝኽእል።

ዝኾነ ነገር እንተደኣ ዘይተረዲኡካ ንተሓዚት ጉዳይካ ድሕሪ እቲ ኣኼባ ረኺብካ ክትሓታ ትኽእል ኢኻ።

ባርነቫርነ ብዛዕባኻ እንታይ ከምዝጸሓፉ ከተንብብ መሰልካ እዩ። ተካፈልቲ ናይቲ ጉዳይ(part) ዝኾኑ ሰባት፡መብዛሕትኡ ግዜ ወለዲ እዮም ከም ተካፈልቲ ዝፍለጡ፡ ንሶም ውን ኣብቲ ኣኼባ እንታይ ከምዝተዘርበ ከንብቡ ይኽእሉ እዮም።
እቲ ሓበሬታ ንወለድኻ ግድን ክወሃቦም ዘለዎ እንተደኣ ኮይኑ ተሓዚት ጉዳይካ ክትሕብረካ ትኽእል እያ።
ከም ኣብነት ገለ ካብቲ ክትሓቶ ትኽእል ሕቶታት
- መሊስና ክንራኸብ ዲና፧
- ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ኣኼባ ምስ መን እየ ክራኸብ፧
- ባርነቫርነ ሕጂ እንታይ እዮም ክገብሩ፧
- ብመሰጅ ርክብ ከነካይድ ንኽእል ዲና፧
- ብዝተረፈ ከ በየኖታት መገድታት ክንራኸብ ንኽእል፧
- ዝመጽእ ግዜ ንራኸበሉ ግዜ ኣቐዲምኩም መዘከርታ ክትሰዱለይ ትኽእሉ ዶ፧
ድሕሪ እቲ ኣኼባ ንተሓዚት ጉዳይካ እዞም ሕቶታት ክትሓታ ጸገም ዝበሃል የብሉን።
ኣብ እዋን ርክብ ወይ ኣኼባ ከመይ ይስመዓካ ኔሩ፧
እንታይ ክትገብር ከምትኽእል ምኽርታት ንክወሃበካ ካብዘን ስምዒታት ሓንቲ ጠውቕ
መልስኻ ኣይዕቀብን እዩ፡ናብ ባርነቫርነ ወይ ዝኾነ ካልእ ሰብ ውን ኣይስደድን እዩ።
ውልቃዊ መደብ
ንንውሕ ዝበለ ግዜ ካብ ዝተፈላለዩ ቤት-ጽሕፈታት ሓገዝ ዘድልየካ እንተደኣ ኮይኑ እዩ እዚ መደብ እዚ ንዓኻ ዝዳለወልካ። ምናልባሽ ኣብ ገዛን ቤት-ትምህርትን ሓገዝ ዘድልየካን ካልእ ምስትኽኻላት ዘድልየካን ክትከውን ትኽእል። ኩሎም እቶም ዝሕግዙኻ ሰባት ከመይ ጌሮም እዮም ብዝበለጸ ኣገባብ ንዓኻ ክሕግዙ ዝኽእሉ ንምፍላጥ ኣብ ኣኼባታት ክእከቡ ኣሎዎም፡ እዞም ሰባት ከኣ ነናቶም ዕዮ እዩ ዘለዎም። ብዛዕባ እዚ መደብ ንክትዘራረቡ ምናልባሽ ውን ኣብቲ ኣኼባ ክትሳተፍ ትዕደም ትኸውን ኢኻ።
ንዓኻ ዝከውን ውልቃዊ መደብ ንምድላው ኣኼባ ክካየድ ከሎ ንዓኻ ዘገድሱ ብዙሓት ሰባት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም:
- ትሕቲ 18 ዓመት እንተደኣ ኮይንካ ወለድኻ
- ሰራሕተኛ ባርነቫርነ
- ሰራሕተኛ ጥዕና፡ ንኣብነት ኣብ ስነ-ኣእምራዊ ሕክምና ቆልዑን መንእሰያትን(BUP) ትሰርሕ ክኢላ ስነ-ልቦና
- ሰራሕተኛ ቤት-ትምህርቲ
- ትደሊ እንተደኣ ኮይንካ ካልኦት ትኣምኖም ሰባት ውን ክትዕድም ትኽእል ኢኻ
ንስኻ እዚ ክትሳተፎን ኢድካ ከተእትወሉን ኣገዳሲ እዩ፡ ንስኻ ብከመይ ትሳተፎ ከኣ ኣብቲ መደብ ክጸሓፍ ኣሎዎ