ብዛዕባ ባርነቫርነ እንታይ ምዃኑ፧
"Hva er barnevernet?/ባርነቫርነ እንታይ እዩ፧" ዝበሃል ናይ ኢንተርነት ገጽ ኮይኑ ንቆልዑን መንእሰያትን ብዛዕባ ባርነቫርነ ሓበሬታ ዘለዎ እዩ።''
እዚ ገጽ ኢንተርነት ኣብዞም ዝስዕቡ ኩነታት ንትርከብ ንክድግፈካ ኢሉ ዝተዳለወ እዩ:
- ድሮ ምስ ባርነቫርነ ምዝርራብ ዝጀመርካ
- ኣብ ገዛኻ ስለዘይጠዓመካ ወይ ኣብ ገዛኻ ዘይጠዓሞ ሰብ ትፈልጥ ብምዃንካ ምስ ባርነቫርነ ክዘራረብ ይኽእል ዶ ኢልካ ትሓስብ እንተደኣ ሃሊኻ።
- ብዛዕባ ባርነቫርነ ዝያዳ ፍልጠት ክትቀስም ንትደሊ
ኣብዚ ናይ ኢንተርነት ገጽ ብዛዕባ ስራሕ ባርነቫርነ እንታይ ከምዝኾነ ዝገልጽ ሓበሬታ፡ ቅድሚ ምስ ባርነቫርነ ምርኻብካ ክትክተሎም ትኽእል ጠቐምቲ ምኽርታት፡ ምስ ባርነቫርነ ክትራኸብ ንትደሊ ዝኸውን ሓገዛትን ካልእን ይርከብ። ኣብዚ ብዙሕ ሓበሬታ ዝህብ ቪድዮታት ኣሎ።
ሓበሬታታት ን "Hva er barnevernet?/ባርነቫርነ እንታይ እዩ"
ኣብዚ ፖስተርን ጠባቒ ጽሑፍን ኣሎ፡ እዚ ብቤት-ጽሕፈት ቆልዑን ስድራ-ቤትን ኦስሎ ኮሙነ ዝዕደል እዩ። እቶም ስእልታት እንተደኣ ዓቂብካዮም ወይ ሰይቭ ገርካዮም ናብ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ቤተ-ማሕተም ተሰዲዱ ኣብኡ ክዝርጋሕ ይኽእል እዩ።ኣብዚ ከኣ ብዛዕባ እዚ ገጽ ኢንተርነት ሓበሬታ ዘለዎ ቆልዑ ክርእዩዎ ዝኽእሉ ቪድዮታት ክትረክብ ኢኻ።
ፖስተር

ንስክሪን ዝኸውን ስእሊ

ጠባቒ ጽሑፍ ወይ ስቲከር

ብዛዕባ ትሕዝቶ ናይዚ ገጽ ኢንተርነት ሓበሬታ ዘለዎ ቪድዮ

ዝርአ መደብ ኣብ NRKSupernytt

________________________________________________
እቲ ወብሳይት ኣድማሳዊ ቅርጺ ሓልዩ ዝተዳለወ ከምዝኾነ ዝገልጽ ን''ባርነቫርነ እንታይ እዩ''ዝምልከት ሓበሬታ
እቲ ወብሳይት ኣድማሳዊ ቅርጺ ሓልዩ ዝተዳለወ ከምዝኾነ ዝገልጽ ሓበሬታ ዝወስደካ ሊንክ [ኣብዚ] ትረኽቦ።
ርክብ(Kontakt)
እዚ ገጽ ኢንተርነት ብቤት-ጽሕፈት ቆልዑን ስድራቤትን ኦስሎ ኮሙነ ዝተዳለወ ኮይኑ፡ ምስ ማሕበር ጽፍሒ ኮሙነታትብምትሕብባር ዘዳለዉዎ እዩ። እና Bufdir - Barne-, ungdoms- og familiedirektoratet. እዚ ገጸ ኢንተርነት ከኣ ብሞያዊ መለክዒታት ተቐይዱ በብእዋኑ ትሕዝቶኡ ክሕደስ እዩ።
ዝኾነ ጌጋታት፡ጎደሎታት እንተደኣ ረኺብካሉ ወይ ብዛዕባ እዚ ገጸ ኢንተርነት ዝኾነ ሕቶ ምስ ዝህልወካ ንቤት-ጽሕፈት ቆልዑን ስድራ-ቤትን በዚ ኢመይል ክትውከሶም ትኽእል ኢኻ፡ kommunikasjon@bfe.oslo.kommune.no