እዚ ገጽ ዕጸዎ

ባርነቫርነ እንታይ ከምዝኾነ በብሓደ ዝገልጽ ሓበሬታ

ኣብዚ እቶም ዝተፈላለዩ ክፋላት ባርነቫርነ በብሓደ ተገሊጾም ኣሎዉ፡ ካብ ነቲ ቆልዓ ተሻቒለሉ ኣሎኹ ዝብል መልእኽቲ(bekymringsmelding) ክሳብ ሓገዛት(tiltak)

ሓደ ዓቢ ሰብ ኣብ ቅድሚ ፍሽኽ ዝብል ዘሎ ቆልዓ ኣብሪኹ ኮፍ ኢሉ ኣሎ። ኣብ ክሽነ እዮም ዘለዉ።

ኣጀማምርኡ ከምዚ እዩ

ቆልዑን ወለድን ባዕሎም ናብ ባርነቫርነ ብምድዋል ሓግዙና ኢሎም ክሓቱ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ቆልዓ እንተደኣ ሓግዙኒ ብምባል ሓቲቱኒ፡ባርነቫርነ ምጽራያት ምግባር ክጅምሩ ኣሎዎም።
ሓንቲ ጓል ኣብ ኣብ ሰለይ መበሊ ኣብ መዋእለ-ህጻናት ኮፍ ኢላ ዝሓዘነት ትመስል።
ኩሎም ሓደ ቆልዓ ኣይጠዓሞን ኣሎ ዝብል ግምት ዘለዎም ሰባት
ኣብ ሕጊ ንባርነቫርነት ምሕባር እዩ ዝበሃል፡ ይኹን ደኣ እምበር ብዙሓት ነቲ ቆልዓ ተሻቒልናሉ ኣለና ዝብል መልእኽቲ ብምባል እዩ ዝጽውዑዎ። ኣብዚ እታ ቪድዮ ክትርእያ ትኽእል ኢኻ «ባርነቫርነ ነቲ ቆልዓ ተሻቒልናሉ ኣለና ዝብል መልእኽቲ ክመጾም ከሎ እንታይ እዩ ዝግበር፧?».
ናብ ባርነቫርነ ክሰዱ ይኽእሉ እዮም። ምስ ቆልዑ ዝሰርሑ ዓበይቲ ሰባት ሓደ ቆልዓ ኣይጠዓሞን ኣሎ ዝብል ግምት ምስ ዝህልዎም ግድን እዮም ነቲ ቆልዓ ተሻቒልናሉ ኣለና ዝብል መልእኽቲ ክሰዱ ዘለዎም።
ሓንቲ ጓል ኣብ ሓደ ገዛ ኣብ ሳሎን ኮፍ ኢላ ኣላ። ኣብ ጎና ዘላ ከልቢ ከኣ ጠፍ ተብሎ ኣላ። ሙዚቃ እንዳሰምዐት ከኣ ሞባይላ ትርኢ ኣላ።
እቲ ቆልዓ ክትከላኸለሉ ዘህውኽ እንተደኣ ኮይኑ ባርነቫርነ ግድን እዮም ብቐጥታ ገለ ነገር ክገብሩ ዘለዎም። ሽዑ ምጽራያት ምግባር ክጅምሩ ኣሎዎም። እቲ ቆልዓ ብቐጥታ ምክልኻል ዘየድልዮ እንተደኣ ኮይኑ፡ ባርነቫርነ ምጽራያት ክጅምሩ ድዮም ኣይክጅምሩን ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ መዓልታት ክውስኑ ኣሎዎም።
ሓደ ዓቢ ሰብን መንእሰይን ኣብ ጣውላ ጎኒ ንጎኒ ኮፍ ኢሎም ኣሎዉ። ኣብ መአከቢ ክፍሊ ኮፍ ዝበሉ ይመስሉ ኣሎዉ።

ባርነቫርነ የጻርዩ ኣሎዉ

ባርነቫርነ ከጻርዩ ከለዉ እቲ ቆልዓ ሓገዝ ወይ ምክልኻል ዘድልዮ እንተደኣ ኮይኑ ንምፍላጥ እዩ። ኣብታ ስድራ-ቤት ካልኦት ውን ሓገዝ ዘድልዮም ክህልዉ ይኽእሉ እዮም።
ኣብቲ ድሕሪት ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ ክፍሊ ዕንባባ ሒዙ ደው ኢሉ ኣሎ። እቲ ሰብ ዝዛረብ ዘሎ እዩ ዝመስል።
ባርነቫርነ ከጻርዩ ከለዉ እቲ ቆልዓ ከመይ ከምዘሎ ክነግሩዎም ምስ ዝኽእሉ ዓበይቲ ሰባት ይራኸቡ እዮም። ከም ኣብነት ኣብ ቤት-ትምህርቲ ዝሰርሑ ሰባት ወይ ነቲ ቆልዓ ብዙሕ ግዜ ዝረኽቦ ኣሰልጣኒ ክኸውን ይኽእል። እቲ ቆልዓ ንባዕሉ ውን ንባርነቫርነ ምስ ኣየኖት ዝፈልጡዎ ዓበይቲ ሰባት ክዘራረቡ ከምዝኽእል ክሕብሮም ይኽእል እዩ።
መዝገብ ካለንደር ወይ ዓውደ-ኣዋርሕ ተኸፊታ ኣብ ጣውላ ተቐሚጣ ትርከብ። ኣብኡ ዕለታት ይርአ ኣሎ፡ ዕለት 20ን 21ን ይብል ኣሎ። ኣብታ ዕለት 21 ትብል ዘላ ምጽራያት ክውዳእ እዩ ዝብል ተጻሒፉ ኣሎ፡ተኸቢቡላ ከኣ ኣሎ። ኣብ ርእሲ እታ መጽሓፍ ርሳስ ኣላ።
ብዝመስለኩም ንዓኹም ዝሕሸኩም ሓገዝ እንታይ እዩ ኢልኩም ትሓስቡ ብምባል ውን ባርነቫርነ ምስቲ ቆልዓ ይዛረቡሉ፡ ምስታ ስድራ-ቤት ከኣ ይዘራረቡሉ እዮም። እቲ ቆልዓ ኩሉ ግዜ ሓሳባቱ ክገልጽ መሰሉ ኮይኑ፡ባርነቫርነ ከኣ ክሰምዑዎ ኣሎዎም። ይኹን ደኣ እምበር ሓንሳብ ሓንሳብ እቲ ቆልዓ ከምቲ ዝደለዮ ዘይኮነሉ እዋናት ኣሎ፡ ግን ንምንታይ ከምኡ ከምዝኾነ እቲ ምኽንያት ነቲ ቆልዓ ክንገሮ ኣሎዎ።
ባርነቫርነ ምጽራያት ክገብሩ ከሎዉ ኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ እዩ ዝወስደሎም።
ኣብ መንደቕ ከምዚ ተጻሒፉ ኣሎ፡ ``tiltak ሓገዝ ማለት እዩ!''

ባርነቫርነ ዝገብሩልካ ሓገዛት

ባርነቫርነ ዝህቡዎ ዓይነት ሓገዛት ብኖርወየኛ tiltak ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ። መብዛሕትኡ ግዜ እዚ ሓገዝ ኩነታት ናይቲ ገዛ ከመይ ጌርና ከነመሓይሾ ንኽእል ኢልካ ምዝርራብን እታ ስድራ-ቤትን ብሓንሳብ ኮይንና ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ክትፈትሖ ትኽእልን ዝብል እዩ ዘጠቓልል።
ዝወሃቡ ሓገዛት ከም ኣብነት እዞም ዝስዕቡ ክኾኑ ይኽእሉ:
  • ወለዲ ዝገብሩዎም ነገራት ንክቕይሩዎም ሓገዝ ይግበረሎም መታን እቲ ቆልዓ ኣብ ገዝኡ ዝያዳ ክጥዕሞ።
  • እታ ስድራ-ቤት ምስ ስድራ-ቤታት ዝሕግዙ ሞየኛታት ትዘራረብ።
  • እቲ ቆልዓ ብዛዕባ ይከብደኒ ኣሎ ዝብሎ ነገራትን ጽቡቕ ነገራትን ዘዘራርቦ ሰብ ይረክብ።
  • እቲ ቆልዓ ዝድግፎ ሰብ፡ ዝሕግዞ ሰራሕተኛ ኣከባቢ ወይ ክበጽሓ ዝኽእል ስድራ-ቤት ይምደበሉ።
ሓንቲ ጓል ኣብ ሴዳ ኮፍ ኢላ ናብ ካሜራ ትጥምት ኣላ። ''ኣነ ዝሓስቦ ግን….'' ትብል ኣላ።
ኣየናይ ሓገዝ እዩ ቅኑዕ ንምፍላጥ ባርነቫርነ ምስቲ ቆልዓ ክዛረቡ ኣሎዎም። ከም ቆልዓ ኩሉ ግዜ እዩ ሓሳብካ ክትገልጽ መሰል ዘለካ፡ባርነቫርነ ከኣ እቲ ቆልዓ ዝብሎ ክሰምዑዎ ኣሎዎም። ከም ኣብነት እቲ ዝድግፎ ሰብ ክንደይ ግዜ እዩ ክረኽቦ ዘለዎ ዝብል ውሳኔ ክውሰን ከሎ እቲ ቆልዓ ክሳተፎ ይኽእል እዩ።
እቲ ቆልዓ ክሳተፈሎም ወይ ተራ ክጻወተሎም ዝኽእለሉ ውሳኔታት እቶም ዝውሰኑ ሓገዛት ዓይነቶም እዩ ዝውስኖ
 ሓደ ዓቢ ሰብ ኣብሪኹ ኣብ ቅድሚ ሓደ ቆልዓ ኮፍ ኢሉ ኣሎ፡ እቲ ቆልዓ ከኣ ዝሓዘነ ይመስል። ኣብ ቅድሚ መእተዊ ማዕጾ ደው ኢሎም ኣሎዉ፡ ቦርሳ ናይቲ ቆልዓ ከኣ ኣብ ጎኖም ኣሎ።
ሓንሳብ ሓንሳብ ቆልዑ ወይ መንእሰያት ዝከላኸለሎም ንክረኽቡ ወይ ሓገዝ ንክረኽቡ ካብ ገዝኦም ወጻኢ ኣብ ካልእ ቦታ ክቕመጡ ግድን ዝኾነሉ እዋናት ኣሎ፡ ይኹን ደኣ እምበር እዚ ሳሕቲ ዘጋጥም ኣዩ። እዚ ምምዳብ ወይ
ካብ ገዛኻ ምስ ገዓዝካ ኣብ ግዝያዊ መእለዪ ቤት፡ቀዋሚ መእለዪ ቤት ወይ መእለዪ ትካል ኢኻ ትግዕዝ። ኣብዚ ካብ ገዛኻ ምስ ገዓዝካ ብዛዕባ ክትፈልጦ ዘለካ ኣገዳሲ ነገራት ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል።
ይበሃል።ገሊኦም ወለዲ ዋላ ንውላዶም የፍቅሩዎ ደኣ እምበር፡ ንውላዶም ክከናኸንዎን ክኣልዩሉን ዘይክእሉሉ እዋናት ግን ኣሎ።
ሓንቲ ጓል ኣብ ሴዳ ኮፍ ኢላ ናብ ካሜራ ትጥምት ኣላ። እንዳተጠራጠረት ''እወ'' ትብል ኣላ።
እቲ ቆልዓ ትሕቲ 15 ዓመት እንተደኣ ኮይኑ ወለዲ ወለንታዊ ሓገዛት ንክወሃብ ከፍቅዱ(samtykke) ኣሎዎም፡ እቲ ቆልዓ ልዕሊ 15 ዓመት እንተኮይኑ ዕድሚኡ ከኣ እቲ ቆልዓን ወለድን ወለንታዊ ሓገዛት ንክወሃብ ፍቓዶም ክህቡሉ ኣሎዎም።
 
ሓንቲ ጓል ኣብ ኣፍደገ ቤት-ትምህርቲ ኮይና ኣብ ሞባይላ እንዳጸሓፈት ሙዚቃ ትሰምዕ ኣላ።

ሓገዝ ክወሃበካ ከሎ ባርነቫርነ ዝስከሙዎ ሓላፍነት

ቆልዑ ካብ ባርነቫርነ ሓገዝ ክረኽቡ ከለዉ ባርነቫርነ እቲ ሓገዝ ክሳብ ክንደይ ይጠቅም ኣሎ ክከታተሉ ኣሎዎም። እቲ ቆልዓ ውን ዝኾነ ሕቶ ምስ ዝህልዎ ወይ ዝኾነ ነገር ክብል እንተደኣ ደልዩ ምስቲ ናቱ ተሓዚ ጉዳይ ክዛረብ ይኽእል እዩ።
ንስኻ ትደልዮ ኣገዳሲ እዩ!
ባርነቫርነ ምስ ሓደ ቆልዓ ክራኸቡ ከለዉ ኩሉ ግዜ ነቲ ቆልዓ ዝሕሾ እዮም ክገብሩ ዝፍትኑ። ከም ቆልዓ ዝመስለካ ክትዛረብን ሕቶታት ክትሓትትን ኩሉ ግዜ መሰልካ እዩ።